Articles

ኣግኣዚ … ፍዮሪ         (ነሓሰ 25 2005 )

ኣግኣዚ … ፍዮሪ፣

ብትምህርቲ ኰስኵሳ …. ምሁራት ’ተፍሪ፡፡

ካብ ጥንቱ … ካብ ስምኪ፣

ካብ ጕሓቱ … ካብ መሰረትኪ፡፡

ቀዳሞት ወለዲ፣

’ቶም ዓበይቲ ዓዲ፡፡

ነገደ ኣግኣዚያን … መውፃእቲ ሓራ ዝሰየሙኺ፣

ካብ መሃይምነት ነፃ ክተወፅኢ ዝተመነዩኺ፡፡

ክንደይ ለባማት … ፈላጣት’ዮም ነይሮም፣

ኣርሒቖም ዝሓስቡ … ዘበን ተሳጊሮም፡፡

ኣግኣዚ!

ካብ ኩሉ ትምዕዚ፤

ናይ ኩላትና ዕዚ፡፡

ማዕኸን ፍልጠት … ናይ ጥበብ ማእዲ፡፡

ካብ ኩሉ ዝለዓልኪ ዘውዲ፣

ቅርሲ ክቡራት ወለዲ፡፡

ህዝብኺ እንተይ ተምሃረ ዝሓስብ ኣርሒቑ፣

ጠምዩ ይኹን ዋላ ዓሪቑ

ውላዱ ደፍተር ኣትሒዙ … መሪቑ፣

ኣባኺ ምሉእ ተስፋ ሰኒቑ፡፡

ደቁ ይልእኸልኪ ዓርሱ ተሸጊሩ፣

ምእንታን ክሓልፈሉ ንሓዋሩ፡

 

መኣዝ’ሞ ተጋግዩ ዓጋመ፣

ካብ ባዕሉ ደቁ ስለዘቐደመ፡፡

ንኣግኣዚ ሰዲዱ ብፊደል ስለ ዘሓከመ

ተስፋኡ እናሓደረ ለምለመ፡፡

ኣግኣዚ!

ካብ ኩሉ ትምዕዚ፣

ናይ ኩልና ዕዚ፡፡

ካብ ውቕሮ፣ኣፅቢ፣ብዘት፣

ዕደጋ ሓሙስ፣ ሓወዜን፣ ነበለት፡፡

ዓሊተና፣ሚስዮን፣ ኣሰፈ፣

ሽረ፣እንትጮ፣ ሰንዓፈ፡፡

መንዩ’ሞ ኣብ ማእድኺ ዘይተወከፈ፣

መንዩ’ሞ  ልግዐኺ  ዘይተላኸፈ፡፡

መንከ’ዩ ብኣፍደገኺ ዘይተመላለሰ፣

ኣብ ክፍሊታትኪ ኣትዩ ፍልጠት ዘይሓፈሰ፡፡

ኣግኣዚ … ፍዮሪ፣

ብፍልጠት ኰስኵሳ ኣሻሓት ተፍሪ፡፡

እንትርፊ ወለላ ዘይወፃ ሓፈታ፣

ዘርኣ ብሩኽ … ምሱል በረከታ፡፡

ተምሃራይ ከካብ ቤት ትምህርቱ ዝመፀ

ኣባኺ ኣትዩ ምስተሃንፀ፤

ትሰድዮ ናብ ዝበለፀ፡፡

ኣግኣዚ!

ካብ መዓር ትምዕዚ፣

ናይ ኩልና ዕዚ፡፡

ምሕራድ ስጋ እዳ’ባ መጣዕ

ኣየ’ወ ምሉእ ማዕልቲ ክስተ ክብላዕ፣

በብዓመቱ ክፅወት ክስዕሳዕ፣

መርዓ ተምሃሮ ከመይ ኢልካ ይርሳዕ?

    ኣግኣዚ … ፍዮሪ፣

    ብትምህርቲ ኰስኵሳ ኣሻሓት ’ተፍሪ፡፡

ካብ መምህራን ቀደም ክዝክር ሓደ ክልተ፣

ሸቃ ገረፃድቕ … ኣቦ ግእዝ ስብሓት ባቲተ፡፡

ታዬ ባያብል … መስፍን በላይ፣

ካብ ኣሜሪካ … እኒ ሚስተር ኮርምዛይ፡፡

ሄኖክ ኣበበ … ገብራይ ዓምደብርሃን፣

ካብ ኣህናድ … እኒ ሚስተር ቶማስ ካኒካዳን፡፡

ብሐፈሻ ኩሉኹም መምህራን ኣግኣዚ፣

ሃነፅቲ ሰብ …ካብ ቀደም ከሳብ ሀዚ፡፡

እግዚሄር ይሃበልና ንዝገበርኩምዎ ፃዕሪ፣

ፃማኹም ይኽፈልኩም ልዑል ፈጣሪ፡፡

ኣግኣዚ!

ናይ ኩላትና ዕዚ፡፡

ምልክት ዓዲግራት … ማሕተም ዓጋመ፣

ብርሃን ዝዓወረ … መድሓኒት ዝሓመመ፡፡

ከዳኒቱ … ንዝዓረቐ፣

መፀበቒቱ … ንዝሓመቐ፡፡

መዐንገሊቱ … ንዝጠመየ፣

መሳፍሒቱ … ንዝተኾርመየ፡፡

መዕረፊቱ… ንዝደኸመ

መተስኢቱ … ንዝዔመ፣

ክበሪ ንበሪ … ይሃብኪ ዕድመ፡፡

ኣግኣዚ … ፍዮሪ … ዕምበባ፣

ዘይትነፅፊ ወላድ … ትሕለቢ ፀባ፡፡

ደቕኺ

ፍረ ፃማኺ፡፡

ኣብ ዝተዋፈሩዎ .. ንፋዓት፣

ሰሪሖም ዘይደኽሙ … ብርቱዓት፣

ሓበን ወገን … ናይ ሃገር ኩርዓት፣

ያዒስ ኣግኣዚት … ኩሉ ጊዘ መርዓት፡፡

ኣግኣዚ … ፍዮሪ … ኩሑሎ

ምልእተ ዘይብልኪ ጐደሎ፣

በዓልቲ ብዙሕ ክእሎ፡፡

መሰረት ልምዓት፣ … ፈጣሪት ሓድነት፣

ንኹሉ መራኽቢት፤ … መጠንከሪት ሕውነት/ምሕዝነት፡፡

ብዛዕባ ዓዲ፣ … መዛተይት

ምህርቲ ዝሕፈሰላ ዓውዲ፤ … መተኣኻኻቢት፣

ካብ ፆታዊ ፍቕሪ ንላዕሊ … ኣመና ተናፋቒት፡፡

ለይቲ ምስ ማዕልቲ … ሓጋይ ምስ ክረምቲ፣

ኩሉ ጊዘ ለምለም … ኩሉ ጊዘ ሕዛእቲ፡፡

ኩርዒ … ብህዝበኺ

ማዕብሊ .. ብደቕኺ፣

ለምለሚ … ብፃማኺ፡፡

እመቤት ኣግኣዚ!

ካብ መዓር ትምዕዚ፣

ናይ ኩልና ዕዚ፡፡

እኖ ኣእላፍ …ማህፀና ለምለም፣

ብዘይ ገለ ቃል ዓለም፡፡

አንቺን የሚመስል … ከቶ የለም፡፡

    ኣግኣዚ … ዕምበባ … ፍዮሪ፣

    ብደቅኺ ’ትኸብሪ፤

ንዘለኣለም … እናዓምበብኪ ንበሪ፡፡

         (ግርማይ ገ/ፃድቕ)

ኣብ ራዲሰን ብሉ (Radisson Blu) ነሓሰ 25 2005 ንዝተኻየደ ዓመታዊ ጉባኤ ማሕበር ቀዳሞት ተምሃሮ ኣግኣዚ ዝቐረበ/ዝተነበበ፡፡

One Response to Articles

  1. I’ve been exploring for a bit for any high quality articles or blog posts on this kind of house . Exploring in Yahoo I ultimately stumbled upon this web site. Reading this information So i’m happy to exhibit that I’ve a very good uncanny feeling I discovered just what I needed. I such a lot unquestionably will make certain to do not forget this site and provides it a look on a constant basis.

Leave a Reply

Your email address will not be published.